Looking for more resources for supporting parents during COVID-19? Visit the Start Talking Now Facebook page.

ወለድትን ኣለይትን

You are here

Home » ወለድትን ኣለይትን

እዚ ገጽ'ዚ ብዛዕባ እዞም ዝስዕቡ ሓበሬታ ኣለዎ፦

መንእሰይ ውላድኩም ብዛዕባ ሓሽሽ ምውሳድ ዝወስዶ ውሳኔታት ንስኹም ኣዝዩ ዓብይ ጽልዋ ኢኹም።

ልዕሊ ብጾቱ። ልዕሊ ህቡባት ሰባት። እዚ ስለዝኾነ እዩ ድማ እቲ ምጥቓም ማሪዋና፣ ኣልኮላዊ መስተ፣ ካልኦት ሓሽሻት ዝምልከት ሓበሬታ ካባኹም ክሰምዕዎን ኣብ ጽንኩር ዝኾነ እዋን እውን ብኸመይ ጥዕንኡ ዝተሓለወ ህይወት ክመርሑ ከምዝኽእሉ ክትምህርዎምን ክትምዕድዎምን ዝግባእ።

ምስ መንእሰያት ደቕኹም ብዛዕባ እዞም ኣርእስታታ ምዝርራብ ኣጸጋሚ ክኸውን ይኽእል እዩ፣ እንተኾነ ግና መጽናዕትታን ከም ዝገልጾ እዚ ንስኹም ማዕረ ክንደይ ከምትግደሱ፣ ትጽቢታት ምሕዳር፣ ድሕነቱን ጥዕንኡ ዝተሓለወ ህይወት ክመርሑን ክትምዕድዎም ዝሕግዘኩም ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝኾነ ሜላ ከምዝኾነ እዩ። ትገብርዎም ዘረባታት ምስ መንእሰያት ደቑኹም ጊዜ ኣብ ትሕልፍሉ እዋን ናይ ወዝብን ሓጸርትን ክኾኑ ይኽእሉ። ነቶም ትካይድዎም ዘረባታት ንምድላው ክሕግዘኩም ኣብዚ ስዒቡ ዘሎ ብምውካስ ዝርዝር ናይ መልስታት ክትርእዪ ትኽእሉ ውላድኩም ብዛዕባ ማሪዋናን ኣልኮልን ዝምልከት ክሓቶ ዝኽእል ሕቶታት። ኩሉ ሰብ ሓደ ዓይነት ስለዘይኮነ ድማ እቶም ትህብዎም መልስታት በቲ ናትኩም ኣርኣይያን ተመኩሮን ተመርኩስኩም ክትምልስዎ ይግባእ። ዝግ ኢልካን ቅኑዕን ዝኾነ ዘረባታት ምክያድ ኣዝዪ ኣድማዒ ዝኾነ ውጽኢት ኣለዎ።

ኣብ ዝስዕብ ምስ መንእሰያትኩም ክትዘራረቡ ዝሕግዙ ተወሰኽቲ ፍልፍላት ይርከቡ፦

ንወለድትን ኣለይትን ዝወሃቡ ሓገዝቲ መብሪሂታት።

ምስ መናእሰያትኩም ብሓባር ጊዜ ሕልፉ፣ ቀጻሊ ተዘራረቡን፣ ከምኡዉን ብሓባር ዘዘናግዕ ነገር ግበሩ!

ምስ መንእሰይ ውላድኩም ጽኑዕ ዝኾነ ርክብ ምስዝህልወኩም፣ ቀይድታት ምስተንብሩሎምን ትቆጻጸርዎምን ካብቲ ማሪዋና፣ ኣልኮላዊ መስተን ካልኦት ሓሽታታት ተጠቀምቲ ካብ ምዃን ንምክልኻል ዓቢ ተራ ኣለዎ።

ጽኑዓት ዝኾኑ ርክባት ፍጠሩ።

ወለድትን ከምኡ እውን/ወይ ኣለይትን ኣብ ናይ መናእሰይ ደቆም ዝገብርዎ ነገራት ኣዝዮም ዝሳተፉን ናይ ቀረባ ዝኾነ ዝምድና ኣንተለዎም ኮይኑን እቶም መናእሰይ ካብ መስተ ምስታይ፣ ማሪዋና ወይ ካልኦት ሓሽሻት ናይ ምጥቃም ዘለዎም ዕድል ኣዝዪ ጸቢብ ይኸውን። ስድራቤታት ጽኑዕ ዝምድና ንኽህልወን ዝሕግዙ ነገራት፤

  • ምስ ውላድኩም እንተወሓደ ኣብ መዓልቲ ን 15 ደቓይቕ ብሓባር ጊዜ ከተሕልፉ ዕድል ክትህብዎ ይግባእ።
  • ዘዛናግዕ ነገራት ብሓባር ኮንኩም ግበሩ።
  • ውላድኩም ጽቡቅ ዝኾነ ነገር ኣብ ዝገብረሉ እዋን ክትንእድዎ ይግባእ።
  • ብሓባር ኮንካ ምምጋብ።

ንጹራት ዝኾኑ ደረታት ምቕራብ።

ብኣግኡ ንጹራት ዝኾኑ ደንብታት ከተውጽኡን፣ ቀጻሊ ዝኾነ እውን ክኸውን ግበሩ፣ ኩሉጊዜ ድማ ብዛዕባ ደንብታትኩም ክትዘራረቡን ይግባእ። ደረት ንምትግባር ኣብ ትደልይሉ እዋን፤

  • ብዛዕባ እቲ ትደልይዎ ትጽቢታት ኣመልኪትኩም ብቀጻሊ ምዝርራብ።
  • እቲ ደንቢ ኣብ ዝጠሓሰሉ እዋን ርትዓውን ልሙድን ብዝኾነ መንገዲ መቅጻዕቲ ክትጥቀሙ ይግባእ።
  • ውላድኩም ምስ ብጾቱ ኣውንታዊ ዝኾነ ርክብ ክህልዎ ክትሕግዝዎ ይግባእ።
  • ውላድኩም ንሓሽሽ ኣይፋል ዝብለሉ መንገድታት ክለማመድ ሓግዞ።

ርክባት ምቁጽጻር።

ኩሉጊዜ እቲ መንእስይ ውላድኩም እንታይ ይገብር ኣሎ፣ ናብይ ይኸይድ ኣሎን ምስ መን ጊዚኡ የሕልፍ ኣሎ ክትፈጡ ይግባእ። ድሕነቱ ዝተሓለወን ኣውንታዊ ጽልዋ ዘለዎም ንጥፈታት ክሳተፍ ክትሕግዝዎ ይግባእ። እዞም ዝስዕቡ ሓሙሽተ ነጥብታት ክትሓቱ ይግባእ፤

  • ናበይ ትኸይድ ኣለኻ?
  • እንታይ ክትገብር ኢኻ?
  • ምሳኻ መን ክህሉ እዩ?
  • መዓዝ ንገዛ ክትምለስ ኢኻ?
  • ኣልኮላዊ መስተ፣ ማሪዋና ወይ ካልኦት ሓሽሻት ክህሉ ዲዩ?

እቶም ትሕቲ ዕድመ ዝኾኑ መንእሰያት ኣልኮላዊ መስተ ብምስታይ፣ ማሪዋና ወይ ካልኦት ሓሽሻት ብምውሳድ ዝኽተሉ ሳዕቤናት እንታይ እዮም?

መንእሰያት ኣብ ንኡስ ዕድሚኦም ኣልኮላዊ መስተ ምስታይ፣ ማሪዋና ወይ ካልኦት ሓሽሻት ክጥቀሙ እንተጀሚሮም፣ ዝለዓለ ሓደጋ ናይ ወልፍን ጥዕናዊ ጸገማት፣ ትምህርቲ ምትራፍ፣ ብሰንኪ ማእሰርትን እኹል ትምህርትን ናይ ስራሕ ምርካብ ዕድል ክስእኑ ይኽእሉ። ማሪዋና፣ ኣልኮላዊ መስተ ወይ ካልኦት ሓሽሻት ምጥቃም እዞም ዝስዕቡ ጸገማት የኸትሉ፤

  • ነቲ ዝምዕብል ዘሎ ናይ መንእሰይ ሓንጎል ክጎድኦ ይኽእል። ኣልኮላዊ መስተ፣ ማሪዋና ወይ ካልኦት ሓሽሻት ብምጥቃም ነቲ ናይ ምትሕብባር ሞተር፣ ምቑጽጻር ስሚዒት፣ ምዝካርን፣ ምምሃርን ምውሳንን ዝቆጻጸሩ ክፋላት ሓንጎል ብደንቢ ከይሰርሑ ይዕንቅጽዎም። ብፍላይ ሓንጎል መናእሰይ ገና ይምዕብል ስለዘሎ ነዞም ጸገማት ኣዝዮም ቅሉዓት እዮም።
  • ወልፊ የኸትል። እቶም ትሕቲ 15 ዓመት ኣልኮላዊ መስተ ዝጅምሩ መንእሰያት ካብቶም ዓበይቲ ሰባት ኣርባዕተ ዕጽፊ ናይ ኣልኮል ጸገማት የኸትለሎም፣ ከምኡ’ውን እቶም ትሕቲ 18 ዓመት ማሪዋና ዝጅምሩ መናእሰይ ካብቶም ዲሒሮም ዝጀመሩ ድማ ካብ ኣርባዕተ ክሳብ ሸውዓተ ዕጽፊ ካብ ዓበይቲ ሰባት ንላዕሊ ናይ ማሪዋና ጸገም የጋጥሞም።
  • ካብቶም ዝለዓሉ ሰለስተ ጠንቂ ሞት መናእሰያት ይተኣሳሰ፤ ሓደጋታት (ናይ መኪናን ምጥሓልን ሓደጋታት ዘጠቃልል)፣ ቅትለን ነፍሰ ቅትለትን።

ናይ ትሕቲ ዕድመ ምጥቃም ሓሽሻት ዝምልከቱ ሓቅታትን ሓደጋታትን ሓበሬታታት ርኸብ።

ብሓባር ብምዃን ጥዕናዊ ዝኾኑ ልምድታት ምምዕባል።

ውላድኩም ጥዕናዊ ዝኾነ ልምድታት ከማዕብል፣ ዕላማታት ክህልዎን ንጸገማት ብጥዕናዊ መንገዲ ክፈትሖም ክትሕግዝዎ ይግባእ።

  • ዕላማታት ምንጻር፥ ዕላማትት ብደንቢ ምንጻር ንሰባት ናይ ናብራ ትርጉምን ኣውንታዊ መጻኢ ከምዝህልዎም ተስፋ ክገብሩ ይሕግዞም። እቲ ዘለናዮ ኩነታት ጽንኩር ክኸውን ይኽእል እዩ፣ እውንታዊ ዝኾነ ናይ መጻኢ ኣተሓሳስባ ምስ ዝህልወና ነዚ ዘሎ ጸገም ክንጻወሮ ይሕግዘና። ስለዝኾነ ንመናእሰይ ውላድኩም ንመጻኢ እንታይ ክገብሩ ከምዝደልዩ ክትሓትዎምን መደባት ከውጽኡ ክትሕግዝዎምን ይግባእ።
  • ጥዕናዊ ዝኾኑ ልምድታት ምህናጽ፥ ብደንቢ ምምጋብን እኹል ድቃስ ምርካብን ኣዘውቲርካ ኣካላዊ ምንቅስቃስ ምክያድን ንጥዕናኻን ሞራልካን ከማዕብሎ ይኽእል። ደንብታት ከተዳሉ (ስሩዕ ናይ መግቢ ሰዓታት)፣ እዚ ድማ እሩም ጠባያት የማዕብል፣ ከምእ’ውን እዚ ጥዕናዊ ህይወት ምምራሕ ጥቅሙ ኣመልኪትኩም ምስ መናእሰይ ውላድኩም ክትምዕድዎም ይግባእ። ነዞም ሃነጽቲ ጠባያት ብኸመይ ከምተሐይልዎን ኣብ ተግባር ተውዕልዎምን ብሓባር ኮይንኩም ተመያየጡ።
  • ናይ ተጻዋርነት ሜላታት ምምዕባል፥ መናእሰያት ኣብ ዝጭነቅሉ ወይ ዉጥረት ኣብ ዝስምዖም እዋን ካብዚ ጭንቀት ከውጽኦም ዝኽእሉ ንጥፈታት ኣለልዮም ክፈልጡ ምግባር ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። ስለዝኾነ ንውላድኩም ምስ እዞም ንጥፈታት ብኸመይ ክፍጽሞም ይኽእል መንገዲ ክትፈጥርሉ ይግባእ — ድሕሪ ድራር ኣብ ካንቸሎ ኮይኑ ኩዕሶ ምጽዋት፣ ኣብ ገዛውቲ ጅሮ ምግባር፣ መዓልታዊ ናይ ኪነ ጥበብ ጊዜ፣ ወይ ብቀሊሉ ክሳብ 10 ምቁጻርን ነገራት ካብ ቁጽጽር ወጻኢ ኣብ ዝኾነሉ እዋን የዕሚቁ ከተንፍስ ከምዘለዎ ምምካር።

ሓገዝ ርኸቡ።

ንመንእሰይ ውላድኩም ወይ ንዓኹም ዝኸውን ሓገዝ ክትሓቱ ጸገም የለን! ኩሎም ኣብ ታሕቲ ዝርከቡ ፍልፍላት እቲ ናይ TSR 711 ዘቕርቡን ናይ ቋንቋ ትርጉም ኣገልግሎት ዘቕርቡን እዮም።

  • Teen Link ንመናእሰይ ምስ ካልኦት ስልጠና ዝተዋህቦም መናእሰይ ካብ ሰዓት 6 ክሳብ 10 p.m. PT ምሸት ብምድዋል፣ መልእኽቲ ብምልኣኽ ወይ ቻት ብምግባር ብነጻን ሚስጢሩ ብዝተሓለወ መንገዲ ሓገዝ ይህቡ። ውላድኩም ብዛዕባ ዝኾነ ዘሸግሮም ነገር ከዘራርብዎም ይኽእሉ። ስለዝኾነ ንውላድኩም ናብ ዝስዕብ ቁጽሪ ክድውል፣ መልእኽቲ ክሰድድ ወይ ቻት ክገብር ክተተባብዕዎ ይግባእ 1-866-TEENLINK (833-6546) ከምእውን ዓበይቲ ሰባት ናብ Teen Link ብምድዋል ነቲ ናይ ሓሽሽ ምክልኻል በዓል ሙያ ከዘራርቡ ይኽእሉ እዮም። ንተወሳኺ ሓበሬታ ኣብ www.teenlink.org ዝስዕብ ተወከሱ።
  • Washington Recovery Help Line ነቶም ናይ ሓሽሽ ወልፊ ወይ ናይ ኣእምሮ ጸገም ዘለዎም ሰባት 24-ሰዓታት ብብሕታውን ሚስጥራውን ነጻ ኣገልግሎት ዘቅርብ ኣካል እዩ። ንተወሳኺ ሓበሬታ ናብ 1-866-789-1511 ደውሉ ወይ ናብ WARecoveryHelpLine.org ተወከሱ።
  • Washington Listens ነቶም ዝሓዘኑ፣ ወጥሪ፣ ወይ ጭንቀት ዘለዎም ሰባት ሓገዝ ዘቅርብ ኣካል እዩ። ካብ ሰኑይ-ዓርቢ ካብ ሰዓት 9 a.m. ክሳብ 9 p.m. PT ከምኡ’ውን ኣብ ቀዳመ ሰንበት ካብ ሰዓት 9 ቅድሚ ቐትሪ ክሳብ 6 ድሕሪ ቐትሪ PT ሓገዝ የቕርብ። ንተወሳኺ ሓበሬታ ናብ Washington Listens ፖርታል ተወከሱ።